“Am Schluss haben wir immer ein anderes, schönes Körpergefühl gehabt.”
Frau aus Sri Lanka
mamamundo
Der Geburtsvorbereitungskurs in Deiner Sprache.

ንሕርሲ ምቅርራብ
ብቋንቋኻ/ብቋንቋኺ

እዚ ኮርስ፣ ካብ መበቆል ዓደን ርሒቐን ኣደ ንዝኾና ኣንስቲ እዩ ዝቕረብ።

ሓንቲ ኣዋላዲትን ሓንቲ መንጎ ባህላዊት ተርጓሚትን ንዘለኪ ሕቶታት መልሲ ይህባኺ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ጥንሲ፣ ሕርሲ፣ ምጥባውን ኣብ ገዛ ምስ ቆልዓ ዝህሉ እዋናትን ይሕብራኺ።

እዚኣተን ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ከመይ ጌርኪ ነፍስኺ ክትፈትሒን ነቲ ሕርሲ ድማ ክትቅረብን ከም እትኽእሊን የርእያኺ።
ምስ ካልኦት ኣንስቲ ብዛዕባ ናይ እዚ ፍሉይ ዝኾነ እዋን ዘለኪ ተሞክሮ ትማየጢ። ከምኡ ድማ ምስ ካልኦት ኣንስቲ ብዛዕባ ባህላዊ ልምዲ ሓሳባት ክትላወጢ ትኽእሊ።

እዚ ኮርስ ኣብ ሾውዓተ ክፋላት እዩ ዝካየድ። ኣብዚ ኮርስ ንምስታፍ እቲ ዝበለጸ እዋን ኣብ ሞንጎ 5. ይን 9. ይን ወርሒ እዩ።

ክፍሊት ትምህርቲ

ስሩዕ ክፍሊት ትምህርቲ CHF 350 እዩ፡፡ ካብዚ ክፍሊት እቲ CHF 150 ዝኸውን ካብ ኣገልግሎት ወሃቢ ውሕስና ጥዕና ከምልሱ ይኽእሉ፡፡

ወፃኢ እቲ ትምህርቲ ምሽፋን ዘይትኽእሉ እንተኾይንኩም ብኽብረትኩም ቅድም ኢልኩም ን mamamundo ተወከሱ፡፡

Coronavirus Fragen und Antworten zu Covid-19, Schwangerschaft und Geburt
Coronavirus Information about Covid19 vaccination in Switzerland
Coronavirus Protect yourself and others – Factsheets in different languages