Der Verein mamamundo Bern
hat mit seinem Angebot “mamamundo - Geburtsvorbereitungskurse in Ihrer Sprache” die Innovation Qualité 2022 in der Kategorie Patientensicherheit gewonnen.

ናይ ምዉላድ ምቅርራብ እንታይ እዩ?

እዚ ኮርስ፣ ካብ መበቆል ዓደን ርሒቐን ኣደ ንዝኾና ኣንስቲ እዩ ዝቕረብ።

ሓንቲ ኣዋላዲትን ሓንቲ መንጎ ባህላዊት ተርጓሚትን ንዘለኪ ሕቶታት መልሲ ይህባኺ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ጥንሲ፣ ሕርሲ፣ ምጥባውን ኣብ ገዛ ምስ ቆልዓ ዝህሉ እዋናትን ይሕብራኺ።

እዚኣተን ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ከመይ ጌርኪ ነፍስኺ ክትፈትሒን ነቲ ሕርሲ ድማ ክትቅረብን ከም እትኽእሊን የርእያኺ።
ምስ ካልኦት ኣንስቲ ብዛዕባ ናይ እዚ ፍሉይ ዝኾነ እዋን ዘለኪ ተሞክሮ ትማየጢ። ከምኡ ድማ ምስ ካልኦት ኣንስቲ ብዛዕባ ባህላዊ ልምዲ ሓሳባት ክትላወጢ ትኽእሊ።

እዚ ኮርስ ኣብ ሾውዓተ ክፋላት እዩ ዝካየድ። ኣብዚ ኮርስ ንምስታፍ እቲ ዝበለጸ እዋን ኣብ ሞንጎ 5. ይን 9. ይን ወርሒ እዩ።