Der Verein mamamundo Bern
hat mit seinem Angebot “mamamundo - Geburtsvorbereitungskurse in Ihrer Sprache” die Innovation Qualité 2022 in der Kategorie Patientensicherheit gewonnen.

ናይ ምዉላድ ምቅርራብ እንታይ እዩ?

እዚ ኮርስ፣ ካብ መበቆል ዓደን ርሒቐን ኣደ ንዝኾና ኣንስቲ እዩ ዝቕረብ።

ሓንቲ ኣዋላዲትን ሓንቲ መንጎ ባህላዊት ተርጓሚትን ንዘለኪ ሕቶታት መልሲ ይህባኺ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ጥንሲ፣ ሕርሲ፣ ምጥባውን ኣብ ገዛ ምስ ቆልዓ ዝህሉ እዋናትን ይሕብራኺ።

እዚኣተን ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ከመይ ጌርኪ ነፍስኺ ክትፈትሒን ነቲ ሕርሲ ድማ ክትቅረብን ከም እትኽእሊን የርእያኺ።
ምስ ካልኦት ኣንስቲ ብዛዕባ ናይ እዚ ፍሉይ ዝኾነ እዋን ዘለኪ ተሞክሮ ትማየጢ። ከምኡ ድማ ምስ ካልኦት ኣንስቲ ብዛዕባ ባህላዊ ልምዲ ሓሳባት ክትላወጢ ትኽእሊ።

እዚ ኮርስ ኣብ ሾውዓተ ክፋላት እዩ ዝካየድ። ኣብዚ ኮርስ ንምስታፍ እቲ ዝበለጸ እዋን ኣብ ሞንጎ 5. ይን 9. ይን ወርሒ እዩ።
ነዚ ስልጠና ዝኸውን ክፍሊት

እቶም ስሩዓት ክፍሊታት ናይ’ዚ ስልጠና እዚ ብድምር ክሳብ 350 CHF ይበጽሑ።

ድሕር’ዚ፡ ስድራ-ቤታት፡ ካብ ዝምልከቶም ትካላት መድሕን ጥዕና CHF 150 ዝመጠኑ ድምራዊ ገንዘብ ንኽወሃበን ተመሊሰን ሕቶ ከቕርባ ይኽእላ እየን።

ምንጪ ኣታዊ ዘይብለን ስድራ-ቤታት፦ ምንጪ ኣታዊ ዘይብለን ስድራ-ቤታት፡ ትካል ማማሙንዶ ነዚ ዕላማ እዚ ኢሉ ካብ ዘዋደዶ ማዕከን ሓገዝ ንኽግበረለን መመልከቲ ከቕርባ ይኽእላ እየን። ኣድላዪ ምስዝኸውን፡ ብኽብረትኩም ንመራሒ/ት ናይ’ዚ ስልጠና እዚ ኣማኽሩ።

Coronavirus Fragen und Antworten zu Covid-19, Schwangerschaft und Geburt (FR / EN)
Coronavirus Information zur Covid-19 Impfung in der Schweiz – Video in 16 Sprachen
Coronavirus Downloads & Informationen in den Sprachen der Migrationsbevölkerung